ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ትማሊ 11 ሕዳር 2017 ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ህንጻ ሃገር ተኻዪዱ።

ካቢነ ሚኒስተራት፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበ፡ ኣድላይነት ቅርጻዊ ምትዕርራይን ክለሳን ዝጸንሐ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ብመንጽር ቀዳምነታት ፕሮግራማት ልምዓት – ዘረድእ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምስማዕ፡ ን2018 ኣብ ዝተታሕዙ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓትን ኣመታዊ (Indicative) ባጀቶምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምንጪታት ባጀት፡ ጉዳይ ምኽዕባት ኣታዊታትን ምልዛብ ወጻኢታትን፡ ምሕያል ወፍሪን መደባት ቁጠባዊ ዕብየትን ኣስፊሑ ተመያዪጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘቕረቦ ወረቐት፡ ናብ ትግባረ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ኣብ እንሰጋገረሉ ዘለና መድረኽ፡ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ዝጸንሐ ተሞኩሮ ብምግምጋም፡ ንዝያዳ ኣድማዕነትን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸጋታትን – ዳግመ ክለሳን ቅርጻዊ ምትዕርራይን ከምዘድልዮ ኣረዲኡ። ብኣኡ መንጽር ዝጸንሐ ቅጥዒ ኣቀራርባ ልሙድ ባጀትን ዝርዝራት ትሕዝቶኡን ሓደ ብሓደ ተራእዩ፡ ምምሕያሽን ምቕርጣውን ኣብ ዘድልዮ መዳያት ምስትኽኻል ክግበረሉ ድማ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳምነታት ባጀት 2018 ናብ ዝብል ኣርእስቲ ብምስጋር፡ ኣብ ምደባ ባጀት ዓመተ-2018፡ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ኮይኑ ተሰሪዑ ዘሎ ምምሕያሽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ልምዓታዊ ባጀት ድማ፡ ምስፋሕ ምንጪታት ተሓዳሲ ጸዓትን መርበባት መዘርግሒ ኤለክትሪሲቲን፡ ምውሓስ ቀረብ ነዳዲን ስትራተጂያውያን ሃለኽቲ መግቢን፡ ወፍሪ ምስሳን ሃብቲ እንስሳን ሃብቲ ባሕሪን፡ ምዕባይ ቀረብ ኣገልግሎት ማይ ንዘቤታዊን ሕርሻዊን ኢንዱስትሪያውን መዓላ፡ ምውሳኽ ዓቕሚ ማሺነሪን ዘበናዊ ናውቲ ዕዮን፡ ምፍዋስ ማይ-ክዖታትን ምዕቃብ ኣከባቢን፡ ምውሳኽ ሓጽብታትን ምምዕባል ስርዓተ- መስኖን፡ ህንጸትን ምሕዳስን ጽርግያታት፡ ወደባት፡ መዓርፎ ነፈርቲን መሳለጥያታቱን፡ ህንጸት ኣባይቲ፡ ምምሕያሽ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ወሰኽ ትሕተ-ቅርጺ ትምህርቲን ጥዕናን ምምዕባል መሳለጥያታቱን፡ ምውሓስ ቀረብ መድሃኒት፡ እታው ወሰንቲ ጥረ ነገራትን ንዋትን ህንጻ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ። ኣመታዊ ባጀቱ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል እውን ሰፊሕ መረዳእታ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ፡ “ምወላ ባጀት ብኸመይ?” ዝብል ኣርእስቲ መበል 27 ዓመት ቁ.61 ሰንበት 12 ሕዳር 2017 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ መሞሪ ገጽ 2 ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 6 ገጽ 7 “ኮንሰርት: ዓቕሚ፡ ርእሰ- ተኣማንነትን ሰብን ተመንን ገዓት ሕፍሲ ብምልዓል፡ ቀንዲ ምንጪ ባጀት – ምኽዕባት ኣታዊታት ኮይኑ፡ ምልዛብ ወጻኢታት ምስኡ ተኣሳሲሩ ከምዝርአ ጸቒጡ ኣስሚሩሉ። ናይ ምምዋል ዓቕሚ ንምዕባይ፡ ውህለላ፡ ወፍሪን ሓዋላን ዓቢ ኣተኩሮ ክግበረሉ ምዃኑ፡ ምቁጽጻር ዑደት ገንዘብን ምሕያል ዓቕሚ ባጤራን፡ ምስፋሕን ምምዕባልን ባንካዊ ኣገልግሎት፡ ምቁጽጻር ኮንትሮባንድ፡ ሰደድ ሕርሻዊን ባሕራዊን ፍርያት፡ ምሕያል ንጥፈታት ዕደናን መስንዓትን ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ኣገንዚቡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ባጀታዊ ኣሰራርሓ – ነዊሕን ዓሚቚን ዘተ ኣካዪዱ። ን2018 ተኣሚሙ ዘሎ ናይ ኩለን ኣካላት መንግስቲ ባጀት፡ በቲ ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ዳግም ተኸሊሱ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክዝተየሉ ድማ ተረዳዲኡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ መወዳእታ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበ፡ ንህልዊ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ጸጥታውን ምዕባለታት ዞባና ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ሰሚዑ ድሕሪ ምዝታይ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

Categories