ትካላት ምጽራይን ምዕሻግን ማይ፡ ጥዕና ህዝቢ ከም ቀንዲ ዕላማአን ወሲደን ብቕዓት ፍርያተን ዘውሕስ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ክኽተላ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ሓላፊ ኣሃዱ ኢንዱስትሪታት መግብን መስተን ኣቶ ቢንያም ተኽለጽዮን ኣዘኻኺሩ።

ንጥፈታት ትካላት ምጽራይን ምዕሻግን ማይ – ኣብ ሃገርና ኣብ 2004 ከምዝጀመረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል 16፡ ኣብ ዞባ ደቡብ 7፡ ኣብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ድማ ሓሓንቲ፡ ብጠቕላላ 27 ትካላት ከምዝርከባ ዝጠቐሰ ኣቶ ቢንያም፡ ኣብ ምምላእ ጠለብ ብቐሊል ዘይግመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለወን ገሊጹ።

“ካብ’ቲ ተጻርዩ ተባሂሉ ዝዕሸግ ማይ፡ ኣብ ሓደ-ሓደ ንጽህናኡ ዝተሓለወ ኣይኮነን” ንዝብል ቅሬታ ተጠቀምቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ከም ተርእዮ ክህሉ ከምዝኽእል፡ ዛጊት ግን ናብ ቤት-ጽሕፈቶም ቀሪቡ ብመርትዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ ዝሃበ ከምዘየለ ኣረዲኡ። ኣብ 2012 ብዝተኻየደ ዳህሳሳዊ ምቊጽጽር ብቕዓት፡ ክሳብ 7 ትካላት ካብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከም እተወስደለን እውን ሓቢሩ።

መትሓዚ ማይ-ስሓ ጐማታት ኣብ ዓለምና ካብቶም ቀንዲ ጠንቂታት ብከላ ኣከባቢ ኮይኖም ምህላዎም፡ ኣብ ሃገርና’ውን ኣሰካፍነቶም ምስ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ስለዘሎ ነቲ ሳዕቤናት ንምንካይ፡ ምስ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ዘርኣብሩኽ ተስፋማርያም፡ ተጻርዩ ዝተዓሸገ ማይ – ንጥዕና ዘተኣማምን፡ ኣብ ጉዕዞ ምቹእ፡ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ኣማራጺ ንልስሉስ ሽኮራዊ ዕሹግ መስተታት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ 2013 – ፍርያት 10 ትካላት ዕሹግ ማይ ካብ ዕዳጋታት ብምውሳድ ብዝተኻየደ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ፡ ኬሚካላዊ ትሕዝቶኡ ምስ’ቲ ኣብ መትሓዚ ዝተጻሕፈ መግለጺ ዘይሰማማዕን ናይ ንጽህና ጸገም ከምእተረኽቦን ኣነጺሩ።

ወነንቲ ትካላት ነቲ ብእምነት ዝዕድገሎም ዘሎ ተጠቃሚ ብእምነት ከገልግልዎ፡ ተጠቃሚ ህዝቢ ድማ ዘጋጠሞ ጸገም ንዝምልከቶ ኣካል ብቕልጡፍን ብመርትዖን ክሕብር ኣዘኻኺሩ።

Categories