ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትማሊ 16 ጥሪ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጥዕና ዘተኰረ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝቐረበሉ ሲምፖዝዩም – ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ወዲቡ።

እቲ ምስ ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ ናይ ዓባይ- ብሪጣንያ ብምትሕብባር፡ ብደረጃ ማስተርስ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክመሃሩ ብዝጸንሑ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ኣብ ኤርትራ ንሓደጋታት ትራፊክ ዘቃልዑ ረቛሒታት፡ ነብሰ-ጾራትን ተጠቃምነት ትካላት ጥዕናን፡ ገምጋም ነብሰ- ምሕደራ ኣብ ሕሙማት ሽኮርያ፡ ተመኲሮ ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት ኣብ ኣተሓሕዛ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዘለዎም ህጻናት፡ ምስ ደረጃታት ቅዛነት ዝዛመዱ ሓደጋታት፡ ኣተሓሕዛ መግቢ ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት. . .ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓቘፈ እዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ሓላፊት ምዝገባን መጽናዕቲን ድሕረ- ምረቓን ዪኒቨርሲቲ ዱንዲ ዶክተር ሊንዳ ማርቲንዳየን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ፖሊሲን ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ፡ እቲ ንመጽናዕቲ ዝተመርጸ ኣርእስታት፡ ካብ’ቶም ቀንዲን ኣገደስቲን ዛዕባታት ጥዕና ኣብ ሃገርና ምዃኑን፡ ምስ ናይ 5 ዓመታት ኣጀንዳ መጽናዕቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝሳነ መገዲ ከምዝቐረበን ኣረዲኡ።

ሓላፊት ምዝገባን መጽናዕቲን ድሕረ- ምረቓን ዩኒቨርሲቲ ዱንዲ ዶክተር ሊንዳ ማርቲንዳየ ድማ፡ ሓፈሻዊ ድሕረ-ባይታ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምብራህ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሓደ ካብ’ቶም ልዑል ግምት ዝወሃቦም መደባት ምዃኖም ገሊጻ።

Categories