ኣብ ከተማ ኣፍዓበት፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ኣብ ዕድላት ትምህርትን ስነ-ምግባርን ዘተኰረ ሰሚናራት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 2,700 ተመሃሮ ዝተሳተፍዎ – ኣብ ሓሙሽተ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተኻየደ ሰሚናራት፡ ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት መምህር ዓብዱላሂ ሳልሕ፡ ትምህርቲ እምነ-ኲርናዕ ምዕባለ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ምዕሩይ ዝርጋሐን ተጠቃምነትን ናይ’ዚ መሰረታዊ መሰል ዝኾነ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ፡ ክሳብ ርሑቕ ከባቢታት ገዚፍ ወፍሪ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ፍረ ወፍሪ በብከባቢኡ ይርአ ከምዘሎን ኮሌጃትን ማእከላት ሞያዊ ስልጠናታትን መርኣያ ናይ’ዚ ምዃነንን ዝገለጸ መምህር ዓብዱላሂ፡ እቲ ውጽኢት ክንዲ’ቲ ወፍሪን ኪኖኡን ክኸውን – ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘሎ ተሳታፍነት ክዓቢን ተገዳስነት ተመሃሮ ክዓዝዝን ኣተሓሳሲቡ።

ኦቦ-መንበር ጨንፈር ሰራሕተኛታት መንእሰያት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ጀማል ሰልማንን ዳይረክተር ቤት- ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ኣፍዓበት መምህር ኣሕመድ ኣብርን እውን፡ መንእሰያት ክብርታት ሕብረተ-ሰቦም ብግቡእ ወሪሶም ብኣካዳምን ሞያን ክስጒሙን ንብሩህ መጻኢኦም ክሰርሑን ኣዘኻኺሮም።

Categories