ሃገራዊ ማእከል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ካብ ባልዓትን ሕማማትን ናጻ ዝኾነ ሰለስተ ዓሌት ዘርኢ ድንሽ ንምምዕባልን ንምዝርጋሕን ዝጀመሮ ዕማም – ጽቡቕ ውጽኢት ይረኽበሉ ከምዘሎ፡ ክኢላታት ናይ’ቲ ማእከል ሓቢሮም።

ሓላፊ ክፍሊ ባዮ-ተክኖሎጂ መንእሰይ ሙሴ ፍቓዱ፡ ካብ ቫይረስ፡ ባክተርያን ፋንጋስን ናጻ ዝኾነ ዘርኢ ምምዕባል ሓያልን ዝተሓላለኸን ናይ ላባራቶሪ ስርሓት ከምዝሓትት ጠቒሱ፡ በቲ መስርሕ ሓሊፉ ንሓረስቶት ካብ ዝተዓደለ 140 ኪሎ ድንሽ 110 ኩንታል እቶት ክርከብ ምኽኣሉ፡ ጭቡጥ ኣብነት ናይቲ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ስራሕ ካብ ዝጅመር 10 ኩንታል ዘርኢ ድንሽ ከምዝማዕበለን ከባዝሑ ንዝኽእሉ ሓረስቶት ከምእተዓደለን ዝገለጸ መንእሰይ ሙሴ፡ እቶም ሓረስቶት ዘድሊ ክንክን ብምግባር ንምእኩት ምህርቲ ክጽዕሩ ተላብዩ።

ብዘይካ ኣብ ዘርኢ ድንሽ፡ ካብ ቫይረስ ናጻ ዝኾነ ዘርኢ ተምሪ ንምምዕባል ናይ ላቦራቶሪ ስርሓት ተጀሚሩ ከምዘሎ፡ ዘርኢ ባናና ንምምዕባል እውን መደብ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከብ ሃገራዊ ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ካብ ቫይረስ ናጻ ዝኾነ ዘርኢ ድንሽ፡ ተምሪን ባናናን ንምምዕባል፡ ዘበናዊ ቤተ- ፈተነ ኣቚሙ ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories