ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ፡ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ12 ጥሪ ብልዑል ማዕርግ ኣብ ከተማ መልበርን ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ካብ መላእ ኣውስትራልያ ዝመጹ ኤርትራውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ከንቲባታት ዝተፈላለያ ምምሕዳር ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያትን ንግድን ዞባ ቪክቶርያ፡ ወከልቲ ክፍሊ ምክልኻል ዶባት ኣውስትራልያ፡ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ዞባ ቪክቶርያ፡ ናይ ሃገራት ፖላንድን ማልደቪስን ናይ ክብሪ ቈንስላት፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ወጻእተኛታት ተረኺቦም ነይሮም።

ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ መበል 18 ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ሃገርና ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ዝተሰላሰለሉ ከምኡ’ውን ውጽኢት ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ጐሊሑ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ይጽምበል ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከባ ማሕበረ-ኮማትን ህዝባውያን ማሕበራትን፡ ውዳቤታተን ኣሐይለን ዓጸፋ ክሰርሓን ዝምድናታተን ከስፍሓን ድማ ተላብዩ።

እዚ ክሳብ ጽባሕ ሰኑይ 15 ጥሪ ዝቕጽል ፈስቲቫል፡ ንብርቂ ስነ-ህንጻ ከተማ ኣስመራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት፡ ህልው ኩነታት ዘብርህ ሰሚናር፡ ባህላውን ኣዘናጋዕን መደባት፡ ኣብ ጥዕናን ዕደናን ዘተኰረ ኣስተምህሮን ካልእን ትሕዝቶ ዝሓቘፈ እዩ።

Categories