ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 ኣብ ትካላትን ሚኒስትሪታትን ዝሰርሓ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ንምሕቋፍ ዘካየዶ ንጥፈታት ዕዉት ምንባሩ፡ ብ11 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ሓቢሩ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወ/ሮ ኣለም በላይ፡ በብጽላቱ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ብግቡእ ወዲብካ፡ ተሳትፎአንን ኣበርክቶአንን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምዕዛዝ፡ ደረጃ ንቕሓት ኣባላት ክብ ብምባል ኣኣብ ከባቢአን ኩሉ ዓይነት ኣድልዎ ኣብ ምውጋድ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ ኣብ ምቅዋምን ኣብ ካልእን ጽቡቕ ስራሕ ከምእተዓመ ገሊጻ።

ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ካብ ስራሕ ከይተዓናቐፋን ንድሕሪት ከይምለሳን፡ ኣብ ሆስፒታላትን ካልእ ትካላትን መውዓሊ ህጻናት ተኸፊተን ኣገልግሎት ኪህባ ምጅማረን እውን፡ ውጽኢት ናይ ዝተኻየደ ጻዕሪ ከምዝኾነ በሪሁ።

ኣብ 2018 እቲ ጐስጓሳት ብዕቱብ ክቕጽል፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ ስርሓት ክዓዝዝ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ዝሰርሓ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ክጥርነፋ. . . ዝብል መደባት ተሳኢሉ ከምዘሎ ድማ ተገሊጹ።

ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 1016 ጉጅለታት ዝተሓቚፋ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣባላት ከምዘለዋኦ ተፈሊጡ።

Categories