መስርሕ ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይ-ምነ፡ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ንኽዛዘም ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ከምዘዕዝዙ፡ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት ነዚ ዝገለጹ፡ ትግባረ መደባት 2017 ብምግምጋም ኣብ መደባት 2018 ንምዝታይ ምስ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ።

ወከልቲ 17 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብ4 ጥሪ ኣብ ዝተቓንዐ ኣኼባ፡ ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ማይ- ምነ ኣቶ ኪዳነ ፍሩይ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መደባት – እቶም 80 ሚእታዊት ዕዉታት ምንባሮም ገሊጹ።

ምዝርጋሕን ምዕባይን ጸዓት ኤለክትሪክ ሓውሲ ከተማ ማይ-ምነ፡ ትግባረ መስርሕ መለሳ መሬት፡ ምህናጽን ምጽጋንን ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ምግራብ – ካብቶም ብግቡእ ዝተተግበሩ መደባት ምዃኖም ድማ ዘርዚሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ። ኣብ መዳያት ጥዕና። ትምህርቲ። ሕርሻን ማሕበራዊ ድሕነትን ናይ ዝተዓሙ መደባት ጸብጻባት ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን፣

ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ – ብሕርሻ፡ መጓሰን ንግዲን ዝናበር ልዕሊ 60 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ።

Categories