ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ናይ 2017 መደባት ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብ መደባት 2018 – ብመሰረት ፖሊሲ “ጥዕና ንኹሉ” ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ብ10ን 11ን ጥሪ ዝተቓንዐ ኣኼባ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ተስፋይ ሰለሙን፡ ድሕነት ኣደን ህጻንን ንምሕላው ኣድማዕቲ መደባት ከምእተተግበሩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ መጠን ሞት ኣደታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ብ92 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።

ሸፈነ ክንክን ቅድመ-ሕርሲ 84 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ዝጠቐሰ’ቲ ጸብጻብ፡ በብእዋኑ ብዝካየድ ጐስጓሳት ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ብምዕባዩ ድማ፡ 72 ሚእታዊት ነብሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና ከም እተገላገላ የነጽር።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ እቲ ጨንፈር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘሰላሰሎ ስርሓት ከይተዛነየ፡ ሕጽረታቱ ብምምላእ – ካብ 2017 ክሳብ 2021 ክትግበር ተሓንጺጹ ዘሎ ስትራተጂ ጥዕና ንምዕዋት ክሰርሕ ኣዘኻኺራ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዘይመዓልቶም ናይ ዝውለዱ ናጽላታት ጠንቂ ኣጽኒዕካ መፍትሒ ምንዳይ፡ ተራ ኮም ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ምዕዛዝ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ምድንፋዕ፡ ጠለብ ኣምቡላንሳት ምምላእ. . . ገለ ካብቶም ናይ 2018 መደባት ምዃኖም ተሓቢሩ።

Categories