መስርሕ ህንጻ ትካል ጥዕና ምምሕዳር ከባቢ ባዳ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ክቀላጠፍ ነበርቲ ጸዊዖም።

እቶም ዜጋታት፡ ኣብ ከባቢኦም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማይ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእን ክረኽቡ ብምብቅዖም ኣብ መነባብሮ ለውጢ ከምዘምጽኡ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣገልግሎት ክትህቦም ዝጸንሐት ትካል ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብህቦብላ ብምፍራሳ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ይጽገሙ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ንሳቶም ወሲኾም፡ ምፍራስ ናይ’ታ ትካል ነቲ ክረኽብዎ ዝጸንሑ ኣገልግሎት ጥዕና ብኣሉታ ጸልይዎ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ተጀሚሩ ዘሎ ህንጻ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተዛዚሙ፡ እታ ትካል ግቡእ ኣገልግሎት ክትህብ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዓቢ ቈላሕታ ክህብዋ ተማሕጺኖም።

ኣባል’ታ ማእከል ጥዕና ተሓጋጋዚ ነርስ መሓመድ-ዓብደላ መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብታ ማእከል ጥዕና፡ ኣገልግሎታት ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ውሁድ ፍወሳ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ ክታበት፡ ምቊጽጻርን ምግታእን ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬትን ካልእን ከምዝወሃብ ጠቒሱ፡ ምስ ምብራኽ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ቊጽሪ ተገልገልቲ ይውስኽ ስለዘሎ፡ እቲ ኩነታት ግቡእ ኣድህቦ ክወሃቦ ተላብዩ።

ማእከል ጥዕና ምምሕዳር ከባቢ ባዳ፡ ንዓድታት ሲሞቲ፡ ኣልሓ፡ ዓንዳላን ካልኦትን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories