ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘይተሳለጠ መስርሕ መለሳ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ወቕቲ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ክጻፈፍ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋይ ባይራይ ምስ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እቲ ዕላማ – ምዕሩይ ተጠቃምነት መሬት ብምርግጋጽ ኣፍራይነት ክብ ንምባል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ዜጋታት ኣዋጅ መሬት ብዘፍቅዶ መሰረት፡ ነቲ ዝውንንዎ መሬት ሕርሻ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ብምዝኽኻር ድማ፡ ንወለዶታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ክከናኸንዎ ኣተሓሳሲቡ።

መስርሕ መለሳ መሬት ብግቡእ ንምስልሳል፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝግባእ ዘገንዘበ ኣቶ ተስፋይ፡ ሓረስቶት ምስቶም ዝምረጹ ኮሚተታት ብትግሃት ክተሓባበሩ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ተለንተ ዮሴፍ ብርሃነ፡ ህዝቢ ሰላምን ርግኣትን ከባቢኡ ንምውሓስን ተርእዮ በደላትን ገበናትን ንምግታእን፡ ምስ ፖሊስ ዘለዎ ዝምድናን ምትሕብባርን ከሐይል ጸዊዑ።

Categories