ሓረስቶት ዞባ ማእከል፡ ዘለዎም ጽበት መሬት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ክቡራት ኣዝርእቲ ከተኲሩ – ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ብ10 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ ኣዘኻኺሩ።

ቀረብ ጸባን ስጋን፡ ኣሕምልትን ፍረታትን እውን ካብ’ቲ ብቐዳምነት ክጥምትዎ ዘለዎም ምዃኑን፡ ምዕቃብን ምድንፋዕን ባህርያዊ ሃብቲ ብዝለዓለ ክሰርሑሉ ከምዝግባእን ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ውሕስነት መግብን ማይን ንሰብን እንስሳታትን ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ካብ ያታዊ ናብ ዘበናዊ ሕርሻ ንምስግጋር ብዙሕ ስራሕ ከምእተዓመ ዝሓበረ ዋና ዳይርክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ የማነ ኣባይ ብወገኑ፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ብህዝቢ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ኣብ ዕብየት ሕርሻዊ ምህርቲ ዓቢ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብ ኣስታት 148 ሄክታር፡ ፍረታት ለሚዑ ኣብ ምምላእ ቀረብ ዕዳጋታት ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ምህርቲ ጸባ ንምዕባይ ዕዉት ፈተነ መስርሕ ምድቓል ከምእተኻየደ፡ መፍረ ንህቢን ደርሁን ንምስሳን ዘተባብዕ ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ. . . ገለ ካብ’ቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝበርሀ እዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ዞባ ብንጹር ክፍለጥ፡ ብሞያውያን ዝወሃብ ምኽሪ ብግቡእ ክስራሓሉ፡ ብድበት ናይ ዝመልኣ ዲጋታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክቐርብ፡ ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ቀጻሊ ኰለላ እናገበሩ ካብ ባልዓትን ሕማማትን ክከላኸሉ፡ ከምኡ’ውን ምብራስ ኣግራብ ንምግታእ ምትእትታው ሞጐጎ ኣድሓነት ብዝሰፍሐ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories