ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ዝርከቡ ስድራ- ስዉኣት፡ ኣብ ቦታኦም ዝኽፈሎም ዘሎ ደበስ፡ ካብ ብዙሕ ሃልኪ ከምዘድሓኖም ገሊጾም።

ዝሓለፈ እዋን ናብ ደቀምሓረ ክኸዱ ይግደዱ ምንባሮም፡ እዚ ድማ ጉልበታውን ቊጣባውን ሃልኪ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ንኩነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ፍታሕ ከምዝገበረሎም ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣቶ ተኽለ ዛይድ፡ እቲ ዝኽፈል ደበስ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ምዃኑ፡ ብዘይካኡ’ውን ካብ ግዱሳት ዜጋታት ዝስደድ ሓገዝ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ምስ ዘለዎም ዕብየትን ካልእ ሕጽረታትን፡ ናብ’ቲ ዘለውዎ ቦታ ኬድካ ምኽፋሎም እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ገሊጹ።

Categories