ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣል-ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ትማሊ 9 ጥሪ ንግሆ ናብ ሪፓብሊክ ግብጺ ገይሹ።

ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ‘ኣልእትሓድያ’ ኣብ ዝተኻየደ – ብናይ ክብሪ ሰልፊን ሃገራዊ መዛሙርን ዝተሰነየ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣል-ሲሲ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣል-ሲሲን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ- ቐትሪ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ምድንፋዕ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት፡ ትግባረ ኣቐዲሞም ምርድዳእ ዝተገብረሎም ዓውድታትን ምንጥጣፍ ሓባራዊ ኮሚተን፡ ከምኡ’ውን ንኽልተአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ዘትዮምን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦምን።

ክልቲኦም መራሕቲ ወሲኾም፡ ኣገዳስነት ምውህሃድ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ብምግንዛብ፡ ንምዕዛዙ ብዝለዓለ ክስራሕ ተረዳዲኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ዚ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደቱ፡ ዝተፈላለያ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታትን ትካላትን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።

ዛጊት ኣብ መባእታዊ መድረኹ ዘሎን ኣብ ምክብባር ዝተሃንጸን ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን፡ ኣብ ሓባራዊ ውድዓዊ መረዳእታ ጐደቦና፡ ከምኡ’ውን ዞባውን ዓለማውን ክውን ኩነታት ዝምርኰስን ንዘላቒ ርግኣትን ዕብየትን ዝዓለመን እዩ።

Categories