ብሰንኪ ምጥርናፍን ምውዳድ ንዓኡ ዘድሊ ትሕተ-ቅርጽን ካልእ ቀረባትን፡ ከምተን ካልኦት ኮለጃት ኣብ ግቡእ ግዜአን ከይጀመራ ዝጸንሓ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ካብ ሎሚ 10 ጥሪ – ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ተደኲኑ ኣብ ዝርከብ ህንጻ፡ ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ክጅምራ እየን።

ዲን ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዶክተር ወልደትንሳኤ ተወልደ ብቴለፎን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ዓመተ-ትምህርቲ ናይ 2017/2018፡ እቲ ኮለጅ – 8 ናይ ዲግሪን 2 ናይ ዲፕሎማን ኣብ ዝርከቦ መደባት ትምህርቲ፡ 1747 ተመሃሮ ከምዝሳተፉ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ኣብ ሓልሓለ ኣብ ዝተደኰነ ህንጻታት ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዓመት ናብ ዓዲ-ቐይሕ ግዒዙ ዝርከብ ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ድማ፡ ኣብ 5 ናይ ዲግሪን 4 ናይ ዲፕሎማን ፕሮግራማት ዝሳተፉ 750 ተመሃሮ ሒዙ ተበጊሱ ከምዘሎ፡ ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ሓቢሩ።

Categories