ግብሪ፡ ብመሰረት ዝወጸን ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተዘርግሐን ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣብ እዋኑ ክኽፈል ከምዝግብኦ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት ኣሰራርሓ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ግብሪ እቶት ንግዳዊ ንጥፈታትን ንግዳዊ ሕርሻን ኣብ ሰለስተ ተመዲቡ ዝኽፈል ኮይኑ፡ ኣብ ደረጃ ‘ሀ’ ዝተመደቡ ከፈልቲ ግብሪ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ፡ ኣብ ደረጃ ‘ለ’ ዝተመደቡ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት፡ ኣብ ደረጃ ‘ሐ’ ዘለዉ ድማ ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ኣታዊኦም ኣፍሊጦም ግብሪ ክኸፍሉ ይግባእ።

ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ኣቶ ዮውሃንስ ኢሳቕ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ደረጃ ‘ሀ’ን ‘ለ’ን ዝምደቡ ከፈልቲ ግብሪ፡ ብሕጊ መዛግብቲ ሕሳብ ክሕዙ ከምዝግብኦም ብምንጻር፡ ምጣነ ግብሪ ድማ ካብ ጽሩይ ንግዳዊ ኣታዊ፡ ብመሰረት ሰሌዳ ግብሪ ንግዳዊ ንጥፈት – ካብ 2 ክሳብ 30 ሚእታዊት፡ ንማሕበራት 30 ሚእታዊት፡ ንግዳዊ ሕርሻ ድማ ካብ 2 ክሳብ 20 ሚእታዊት ከምዝኽፈል ኣረዲኡ።

ግብሪ ኣብ እዋኑ ዘይምኽፋል ካብ 25 ክሳብ 90 ሚእታዊት መቕጻዕቲ ከምዘስዕብ፡ ቅብሊት ዘይሃበ ከፋል ግብሪ ድማ ናይ’ቲ ብዘይቅብሊት ዝተቐበሎ ገንዘብ 125 ሚእታዊት ከምዝቕጻዕ፡ ካብ ግብሪ ክሃድም ኮነ ኢሉ ዝሃቀነ ሰብ ይኹን ማሕበር ድማ ብገበን ከምዝሕተት ኣገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ እዋኑ ግብሪ እቶት ክራይ ዘይከፈለ፡ ካብ 25 ክሳብ 70 ሚእታዊት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ይብየነሉ።

ግብሪ ምኽፋል፡ ንኹሉ ኣታዊ ዘለዎ ዜጋ ወይ ማሕበር ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶት ክራይ፡ እቶት ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን፡ ደሞዝተኛ፡ ቀረጽ መሸጣን ኤክሳይዝን፡ ከምኡ’ውን ቀረጽ ቴምብር የጠቓልል።

ገለ ካብቶም ኣታዊታት እናሃለዎም ዛጊት ግብሪ ዘይከፍሉ ዘለዉ ንጥፈታት ተለልዮም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ዮውሃንስ – ብዘይ ወግዓዊ ፍቓድ ኣብ ንግዲ፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ዝነጥፉ፡ ተዀናተርቲ ህንጻ፡ ገዛ ብዘይ ዉዕል ዘካርዩ ወይ መጠን ኣትሒቶም ዘመዝግቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያዊ ስራሕ ዝነጥፉ፡ ምስ ውራያት ብዝተኣሳሰር ኣታዊታት ዝረኽቡ ምዃኖምን፡ ካብ ኣታዊታቶም ግቡእ ግብሪ ከምዝኸፍሉ ንምግባር ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊን ኣብሪሁ።

ኣቶ ዮውሃንስ፡ ኣታዊ እንተልዩካ – ምኽፋል ግብሪ ግዴታ ከምዝኾነ፡ ማሕበራዊ፡ ቊጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎን ምስ ግቡኣትን መሰላትን ዜጋታት ብቐጥታ ዝተኣሳሰርን ምዃኑ ኣረዲኡ። እቲ በዚ መገዲ’ዚ ዝእከብ ኣታዊ፡ ኣብ ምምላእ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከምዝውዕል ድማ ኣነጺሩ።

Categories