ኣብ ምዕራባዊ ዞባ መኸተን ልምዓትን፡ ኣብ 2017 ብውህደት ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ኩባንያታት ህንጻ ሰገንን ብድሆን፡ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል፡ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን፡ ምምሕዳር ዞባን ካልኦት ኣካላትን ንዝተሰላሰለ ስርሓት ዝገምገመን ኣብ መደባት ስራሕ 2018 ዝዘተየን ኣኼባ፡ ብ4 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተቓኒዑ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 165 ሽሕ ጉልበት ዝተሳተፎን ብገንዘብ ኣስታት 49 ሚልዮን ናቕፋ ዝተተመነን – ምህናጽን ምጽጋንን ዲጋታት፡ ራህያታት፡ ዒላታት፡ ቢንቶታት፡ ጽርግያታት፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይን ካልእን ዘጠቓልል ስራሓት ከምእተሰላሰለ በሪሁ።

ኣወሃሃዲ ምዕራባዊ ዞባ መኸተን ልምዓትን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ሕጽረታትን ብድሆታትን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ናይ ምፍታሕ ባይታ ዘንጽፍ ዕዉት ስራሕ ከም እተተግበረ ብምምልካት፡ ተቐሲሙ ብዘሎ ሃብታም ተመኲሮ፡ ኣብ መጻኢ ዝውጠኑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብዝቐለለን ዝሓሸን ኣገባባት ክሰላሰሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት፡ ምምሕዳራት – ብፍላይ ኣብ መለሳ መሬት፡ ምእራም ጥሕሰት ሕጊ፡ ምጽጋንን ምምሕያሽን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምግራብን ምሕያል ሕዛእትታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምምዕባል እቶታውነት ሕርሻ ዝያዳ ኣተኲሮ ሂበን ክሰርሓ ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ልምዓታዊ መደባት ተጠሚሩ ብኣድማዕነት ንኽትግበር፡ ዝምልከቶም ኣካላት ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ እምነቱ ገሊጹ።

ምዕራባዊ ዞባ መኸተን ልምዓትን፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝካየድ ኩሉ- መዳያዊ – ሕርሻዊ፡ ትሕተ-ቅርጻዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታት የወሃህድ።

Categories