ነበርቲ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ብምውህሃድ ህዝብን መንግስትን ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓት፡ ንህይወቶም ብእወታ ከምዝጸለዎ፡ ምስ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ዝዕመም ዘሎ 16 ቢንቶታት ዘጠቓለለ 30 ኪሎ- ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ እምኒ-ሓይሊ – ዓዲ-ብሓይላይ፡ ፕሮጀክቲ ማይ ዓድታት ጣፋ-ንፋስን ኩዶ’ብዑርን ካብ’ቶም ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተሰላሰሉ መደባት ልምዓት ምዃኖም ኣብሪሁ።

ሓመድን ማይን ብምዕቃብ እቶታዊነት ንምኽዕባት ብዝዓለመ ኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ኩለን ዓድታት ኣስታት 1900 ሜትሮ ኩቦ ከትርን ልዕሊ 3000 ሜትሮ ዛላን ከምዝተሰርሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ መለሳ መሬትን ምጽጋን ጽርግያታትን ንዝተራእየ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ መጒሱ።

ተሳተፍቲ ብግደኦም፡ ኣብ’ቲ ብልዑል ወጻእታት ዝተሰርሐን መሰረታዊ ፍታሕ ኣምጺኡ ዘሎን መስመር እምኒ- ሓይሊ – ዓዲ-ብሓይላይ ዝንቀሳቐሳ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት፡ ንታሪፍ ዝምልከት ዕቱብ ቊጽጽር ክግበረለን፡ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ንምስፋሕ ድማ ብዝበለጸ ክስራሕ ተላብዮም።

Categories