ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ብጉድለት ጽሬት ከባቢ ዝስዕቡ ሕማማት ንምቊጽጻር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከባቢ ኣስተምህሮታትን ስልጠናታትን ይህብ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ከባቢ – ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ሳልሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኩለን ዓድታት ዞባ ደቡብ ዝተኣታተወ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ዝተወስደ ተበግሶታትን ዝድለ ውጽኢት ኣይሃበን። ነዚ ድኽመታት’ዚ ንምእላይ እምበኣር መደብ ተታሒዙ ይስራሓሉ ኣሎ።

ከም ኣካል ናይ’ቲ መደብ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝርከባ 47 ዓድታት፡ ከባቢአን ብጽሬት ንምሓዝ ክትግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ሜላታት – ብክኢላታት ሞያዊ ኣስተምህሮ ከምእተዋህበን፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓዲ ኮሚተ ከምዝቘመትን ገሊጹ።

እቶም ክኢላታት ጥዕና ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ማይ-ወለድ ሕማማት ከምኡ’ውን ሕማም ትራኮማ፡ ገለ ካብ’ቶም ብጉድለት ጽሬት ከባቢ ዝመሓላለፉ ስለዝኾኑ፡ ሕብረተሰብ ከባቢኡ ብንጽህና ክሕዝ ተላብዮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 222 ዓድታት ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ተኣታትዩ ከምዝጸንሐ ተፈሊጡ።

Categories