ብቕዓቱ ዝሓለወ ስርዓተ-ትምህርቲ ብምርግጋጽ ኣድማዕነት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምውሓስ፡ ተመላላኢ ጻዕሪ ክካየድ ከምዘድሊ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ምስ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ትምህርቲን ዳይረክተራትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ – ኣቶ ሙሳ፡ ውጽኢት ኣብ ትምህርቲ ናይ ዝግበር ወፍሪ፡ ብመንጽር ዝጭበጡ ዓወታትን ብቕዓት ተመሃሮን ክልካዕ ከምዘለዎ ድሕሪ ምሕባር፡ ዝርጋሐን ብቕዓትን ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምስፋሕ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ውጽኢቱን ሰፊሕ መረዳእታ ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ 2017 ኣብ ናይ 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ መርመራ ናይ ዝተመዝገበ ውጽኢት እውን ገምጋም ተኻዪዱ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ሃገራዊ መርመራ ማእከላይ ደረጃ ኣቶ ክፍለ መኮነን፡ ንመስርሕ ሃገራዊ መርመራ፡ ውጽኢቱ፡ ብልጫታቱን ድኻማቱን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣቕሪቡ – ዘተ ድማ ተኻዪዱሉ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ትግባረ ውጽኢት ገምጋማት ዕቱብ ቈላሕታ ክግበር፡ ኣብ ኣወሃህባ ሃገራዊ መርመራታት ዝበለጸ ኣተሓሕዛ ክተኣታቶ፡ ብኽነት ንምውጋድ ኣበርክቶ ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሮም።

Categories