ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ተገዳስነት ብምብራኽ፡ ኣብ ደቆም ዕቱብን ቀጻልን ምክትታል ምስ ዝገብሩ፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ርኡይ ዕብየት ክምዝገብ ከምዝኽእል፡ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ ከምኡ’ውን ምስ ሓደስቲን ዝጸንሑን መራሕቲ ዞናትን ኣካየድቲ መደባት ልምዓትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተራ ወለዲ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን እምነ-ኲርናዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነዚ ተዳኺሙ ዘሎ ተራ ምዕዛዝ ካብ ቀዳምነታቶም ጌሮም ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ዘርእዝጊ ኣስዒቡ፡ ነቶም መደባት ልምዓት ንምዕዋትን ማእቶታዊ ወፈራታት ንምድንፋዕን ከይሰልከዩ ክሰርሑ ዝጸንሑ መራሕቲ ዞናት ብምምስጋን፡ ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣሰሮም ክኽተሉን ንዝጸንሐ ውዳበታት ብምሕያል ዓጸፋ ክሰርሑን ትጽቢት ከምዝግበረሎም ድማ ኣገንዚቡ።

Categories