ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ተልኣቪቭን ከባቢኣን – እስራኤል፡ ተሳትፎኡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ከምዘደንፍዕ፡ ብ30 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ-እስራኤል፡ ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ሎሚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታት ብጽንዓት መኪቶም ኣብ ዘተስፉ መድረኽ ከምዝርከቡ፡ ኣብ መደባት ልምዓት እውን ዘተባብዕ ስራሓት ይዕመም ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ቈንስላዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት፡ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዜጋታት ግቡኣቶም ክፍጽሙን መሰላቶም ክረኽቡን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ንጡፍ ተሳትፎ ኣካየድቲ ናይ’ቲ ማሕበረ-ኮም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣቶ ሰለሙን፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት መድረኻዊ ተልእኾ ብምልኣት ንምዕዋት፡ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዜጋታት ንቕሓቶም ብምብራኽን ውዳበታቶም ብምውርጻጽን ተሳትፎኦም ዝያዳ ከደንፍዑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኢላትን በርሸባን ተመሳሳሊ ሰሚናራት ኣካዪዱ ነይሩ።

Categories