ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ኣብ 2017 በብዞባኡን በብጽላቱን ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ኣብ መደባት 2018 ዘትዩ።

ብ3ን 4ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ን2017 ተወጢኑ ኣብ ዝነበረ መደባት ልምዓት ብመንጽር ትግባረኡ፡ ዘጋጠመ ብድሆታትን ተሳትፎ ህዝብን፡ ዝርዝራውን ስእሊ ዝህብን ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ዝሓለፈት ዓመት ካብ ዝተተግበሩ ዓበይቲ መደባት፡ ትሕዝቶን ምሕደራን መሬት ካብ ዓዲ ክሳብ ከባቢታት ብግቡእ ምጽናዕ፡ ኣተሓሕዛን ኣፈታትሓን ጉዳያት መሬት፡ ምጥርናፍ ዓድታትን ደምበታትን ይርከብዎም።

ናይ ኣዝመራ ዝናብ ደሓን ከምዝነበረ፡ ክራማት ከም’ቲ ዝጀመሮ ብዘይምቕጻሉ ግን – ኣብ ምህርቲ ጽልዋ ከምዝገበረ እውን በሪሁ።

ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ፡ ግንባራት መኸተ ብምቛምን ቀዳምነታት ብምስራዕን ዓበይቲ መደባት ከምእተበጋገሱ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ድማ ብዝሰፍሐ መልክዕ ክድፋኣሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ኩሎም’ቶም ዝሰላሰሉ መደባት ስራሕ እኹል መጽናዕትታት ምግባርን ዝጭበጡ ፍታሓት ምምጻእን፡ ዲጋታት ኣብ ምዕባለ መስኖኣዊ ሕርሻ ምውዓልን ምሕደራ ማይ ምሕያልን፡ ከምኡ’ውን ምግታእ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ንትግባረ ተሓንጺጾም ዘለዉ መደባት ምዃኖም ድማ ሓቢሩ።

Categories