ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻልን እንስሳ ዘገዳም ንምስሳንን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ምትሕብባር ህዝቢ ክሕይል፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጻውዒት ቀሪቡ።

ሓላፊ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካፒተን ጸሃየ ተኽለ፡ ነበርቲ ብሓፈሻ ኣነበባበርቲ ዓዲን ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ድማ ብፍላይ፡ ምስ ኣባላት ሓለዋ ኣግራብ ጥቡቕ ርክብን ምትሕግጋዝን ብምፍጣር፡ ኣብረስቲ ኣግራብ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ኩነታት ሕሩም ሕዛእቲ፡ ብምትሕብባር ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ውጽኢታዊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ፡ ብዛዕባ መተካእታ ዘቤታዊ ጸዓት ዝምልከቶ ኣካል ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ ተላብዩ።

ሓላፊ በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ እውን፡ ብርሰት ኣግራብ ብዘይምትሕብባር ሕብረተ-ሰብ ከቶ ክግታእ ከምዘይከኣል ኣገንዚቡ። ኣብ 2018 ዓቕሚ ኣባላት ክብ ንምባል ስልጠናታት ክወሃብ መደብ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዝህገር ዕንጸይትን ፈሓምን መኽዘን ክህነጸሉ፡ ጉዳይ መጓዓዝያ ኣትኲሮ ክግበረሉ፡ ቊጽሪ ኣባላት ሓለዋ ኣግራብ ክውስኽን ኣብ ደረት ጽርግያ ዘሎ ቈፎታት ንህቢ 5 ሜትሮ ክርሕቕን ዝብሉ ርእይቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም።

Categories