ገዲም ተጋዳሊት ኢለን ተስፋይ (ደባባ)፡ ብ26 ታሕሳስ 2017 ብዘጋጠማ ድንገት ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 3 ጥሪ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኣ ተሰዊኣ።

ገዲም ተጋዳሊት ኢለን፡ ብዝሓደራ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታት ውድብን ብደረጃ ተራን ሓላፊትን፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ንህዝባን ሃገራን ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ዘገልገለት ሓርበኛ እያ።

ስውእቲ ተጋዳሊት ኢለን፡ ኣደ ሓደ ውላድ እያ።

ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ፡ ሎሚ 4 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳሊት ኢለን ተስፋይ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤታ፡ መቓልስታን መሳርሕታን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories