ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ኣብ 2018 ሕርሻዊ እቶት ንምዕባይን ጠለባት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምምላእን፡ ኮም ዝሰረቱ ምሉእ ምድላዋት ገይሩ ከምዘሎ፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።

ካብ መደባት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ 70 ሚእታዊት ከም እተጻፈፈ፡ 20 ሚእታዊት ኣብ መስርሕ ከምዝርከብ፡ 10 ሚእታዊት ድማ ልሙድን ዘይየቋርጽን ንጥፈታት ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ትግባረ ኮም ዝሰረቱ መደባት ኣድማዕነቱ ብግብሪ ከምእተረጋገጸን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ይስራሕ ከምዘሎን ገሊጹ።

ምድልዳል መሬት ሕርሻን ምጥርናፍ ዓድታትን ከምኡ’ውን ምጽራግ መገብቲ ጽርግያታት፡ ካብቶም ናብ 2018 ዝተሰጋገሩ መደባት ምዃኖም ድማ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ከም እተጠርነፈ፡ 58 ሚእታዊት ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከም ዝበቕዐ፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ግና – ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ብተመሃሮ ዝርአ ብኲራትን ምቊራጽን፡ ዕቱብ ምክትታል ዝሓትት ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Categories