ኣብ ከተማ ከረን፡ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ድማ ብፍላይ ንዘሎ መረዳእታ ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ መምህር መብራህቱ ጥዑማይ፡ እቲ ማሕበር ዝያዳ ኣብ ተመሃሮ ኣተኲሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፡ ሕጂ ግን ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሕብረተ-ሰብ ከም መደብ ይስራሓሉ ምህላዉ ሓቢሩ።

ዝተለገሰ ደም፡ ኣብ ግዜ ሕርስን ጥንስን ወይ እውን ኣብ ሓደጋታት ዝፈስስ ደም ንምትካእ ከምዝውዕል ዝሓበረ መምህር መብራህቱ፡ ኣብ ንቕሓት ዘተኰረ ንጥፈታት ብሰፊሑ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረዲኡ።

መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ከረን ዶክተር ያፌት ሃይለሚካኤል፡ ካብ’ቲ ዝልገስ ደም – እቲ 67 ሚእታዊት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ንዝርአ መድመይቲ ኣብ ምትካእ ከምዝውዕል ሓቢሩ። ደም ምልጋስ ዝኾነ ጥዕናዊ ሳዕቤን ከምዘይብሉን፡ ከም ባህሊ ክሰርጽ ዘለዎ ሰናይ ተግባር ምዃኑን ድማ ኣገንዚቡ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ኣምና ሓሰን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልግሲ ደም ዘለወን ኣፍልጦ ብምዕባይ – ደም ኣብ ምልጋስ ኣበርክቶአን ንከዕዝዛ ብዝተወደበ መልክዕ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢራ።

Categories