ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነት ሃገርን መደባት ልምዓትን ተዋፊሮም ንዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንኣዕሩኽን ፈተውትን ኤርትራ ‘ሰናይ ምንዮቱ’ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ብጽንዓቱን ሓያል መኸተኡን ብዓወት ሰጊሩ፡ ኣብ ኣፈፌት ብሩህ መጻኢ ምብጻሑ ዮሃናኡ ብምግላጽ፡ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት” ተመንዩ።

Categories