ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ፡ ኣብ ዓመተ-2017 ዕዉት ምጥርናፍ ዓድታትን ወፈራዊ ስራሓትን ከምእተኻየደ ተገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ህንጻኣብ ወልዱን ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ስምኦን የማነን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ምጥርናፍ ዓድታትን፡ ምድልዳል መሬት ሕርሻን ዝርከቦ ዝተፈላለየ መደባት ከምእተተግበረ ብምሕባር፡ ንተራን ኣበርክቶን ነበርቲ መጒሶም።

ኣብ ጽላት ትምህርቲ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት ዕብየት ከምዘመዝገበ፡ እንተኾነ ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይኮነ ተገሊጹ።

Categories