ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ካብ 21 ክሳብ 29 ታሕሳስ፡ ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ንዝርከብ ልምዓታውን ታሪኻውን ቦታታት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዶም።

እቲ ዑደት፡ ጋሕቴላይ፡ ባጽዕ፡ ገልዓሎ፡ ዕዲ፡ ዓሰብ፡ ራሓይታ፡ ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ሳዋ፡ ከርከበት፡ ሃይኮታ፡ ኦምሓጀር፡ ተሰነይን ኣብ’ቲ መስመራት ዝርከብ ልምዓታዊ መደባትን ዘጠቓለለ እዩ።

እቶም ኣምባሳደራት ዝርከብዎምን 95 ሚእታዊት መንእሰያት ዝኾኑን ዑደተኛታት ራሓይታ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ብሱልጣን ዓብዱልቓድር ዳዉድ ተሰንዮም ታሪኻዊ ቦታታትን ቅርሲታትን ተዓዚቦም።

ሱልጣን ዓብዱልቓድር፡ እቲ ከባቢ ኪኖ’ቲ ዓቂብዎ ዘሎ ሃብታም ቅርሲታት፡ ልዑል ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ገሊጹ። መንእሰያት ባህሎምን ክብርታቶምን ንክዕቅቡ ኣብ ምውዳብ ኣቓልቦ ከምዝግበር እውን ኣረዲኡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ፡ ዕላማ’ቲ ዑደት፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ዝሰላሰል ዘሎ – ንርሑቕ ከባቢታት ቀዳምነት ዝሃበ ልምዓታዊ መደባት ብኣካል ንምዕዛብን፡ ኣፍልጦኦም ኣብ’ቲ መዳይ ንምስፋሕን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

Categories