ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ውሁድ ስራሕ ንሃገራዊ መኸተን ልምዓትን’’ ብዝብል ቴማ፡ ቅድሚ ትማሊ 29 ታሕሳስ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ ብደረጃ ዞባ ብዛዕባ ዝተሰላሰሉ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ካልኦትን ንጥፈታት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ፡ ብሓያል ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምግራብን ምሕዛእን፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ዲጋታትን ራህያታትን ዓበይቲ መደባት ከምዝተዓሙ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽኡ ፕሮጀክትታት ይትግበሩ ከምዘለዉ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ዋሕዲ ቀረብ ማይ ንምምላእ ዝተበጋገሱ ዓበይቲ መደባት፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጸዓት ኤለክትሪክ ብስሩዕ ንምብጻሕ ዝተገብረ ወፍሪ ድሮ ውጽኢት ክህብ ጀሚሩ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ካልኦት’ውን በብደረጃኦም ንኽፍትሑ፡ ባይቶ ብመንገዲ ሽማግለታቱ መምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እናተራኸበ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ዝነጥፋ ሽማግለታት ቊጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ባህልን ልምድን፡ ሕግን ስርዓትን ጸብጻባተን ኣቕሪበንን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ደምዳሚ መግለጺ ባይቶ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ክዓዝዝን ነቲ ዝተዋደደ ብግቡእ ክጥቀመሉን፡ ኣብ ባይቶ ዞባ ማእከል፡ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ ዘራእትን ጥሪትን ዝረኣዩ ሕማማትን ባልዓትን ንምክልኻል ቅድመ-ምድላው ክግበር፡ ዝወጽኡ መምርሒታትን ኣዋጃትን ህዝቢ ብንቕሓት ኣብ ምትግባሮም ክነጥፍ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታትን ይርከብዎ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ኣብ መሰረታዊ ማሕበራዊ ጠለባት ብምልኣት ንምምላስን ንምምሕያሽን ኣብ 2018 ተበጋጊሱ ዘሎ ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት ብኣድማዕነት ንኽትግበር፡ ጻዕርን ተሳትፎን ነበርቲ ክዓዝዝ ተላብዩ።

Categories