ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዓ.ም. ዝተኣወጀ ክራይ ናይ ግሊ ኣባይቲ ንምውሳን ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ብንጥፈት ኣብ ዝስራሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዞባ ማእከል፡ መስርሕ ምውሳን ክራይ ንትካላት ዘገልግል ናይ ግሊ ኣባይቲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ ዞባ ማእከል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይ’ዚ መምርሒ’ዚ ካብ’ቲ ናይ መንበሪ ከምዘይፍለ ብምጥቃስ፡ ኣብ መላእ ሃገር ሓደን ምዕሩይን ስርዓተ ዋጋ ክራይ፡ ከምኡ’ውን ንዝምድናታት ኣካረይትን ተኻረይትን ዝውስንን ዝቈጻጸርን ንጹር መምርሒ ንኽህሉ ከምዝሕግዝ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ብዞባዊ ምምሕዳራት ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፡ እዚ መምርሒ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ ንትካል ኣካርየምዎ ዝጸንሑ ወነንቲ፡ ንተኻረይቲ፡ በቲ ዝተመዓራረየ ዋጋ ክራይ እንተወሓደ ናይ ክልተ ዓመት ሓድሽ ውዕል ክፍጽሙሎም፡ ኣብ ምሕዳስ’ውን ብተመሳሳሊ ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ከሐድሱሎም ግዴታ ኣለዎም።

ኣብዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ተኻራዪ – ተኻርይዎ ካብ ዝነበረ ትካል ክለቅቕ ብዝምልከቶ ቤት-ፍርዲ እንተዘይተወሲኑሉ፡ ኣካራዪ ውዕል ከሐድሰሉ ከምዘለዎ፡ ኣካራዪ ውዕል ክራይ ከሐድስ ፍቓደኛ ምስ ዘይከውን ድማ፡ ዝምልከተን ፍቓድ ንግዲ ዘሓድሳ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፡ ንተኻራዪ ዝተሓደሰ ውዕል ክራይ ከይሓተታ፡ መስርሕ ምሕዳስ ፍቓድ ንግዲ ከምዝፍጽማሉ የነጽር።

መዐቀኒ ክራይ ዘይመንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ስፍሓት ገዛ ብትርብዒት ሜተር ዝተመርኰሰን ኣብ ዓሰርተ ናይ ክራይ ዞናት ዝተኸፋፈለን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ዞባ ማእከል ነቲ መደብ ዘወሃህድ ሓደ ማእከላይ ቤት- ጽሕፈት ብምውዳድ፡ ኣብ ዝበዝሓ ንኡስ ዞባታት ተኸፊቱ፡ ድሮ እቲ ስራሕ ተጀሚሩ’ሎ።

Categories