ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ኣብ ምድልዳል መሬት ክረምታዊ ሕርሻ ኣድማዒ ስራሕ ከምዝተዓመ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብ26 ታሕሳስ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ብመሰረት ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተተግበረ መደብ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ነበርቲ ናይ ሕርሻ መሬት ከምዝተዓደሉ፡ እቲ ዕማም ድማ ልዕሊ 93 ሚእታዊት ከምዝተዓወተ፡ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣረጋይ መብራህቱ ሓቢሩ።

ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምርግጋጽን ንምድንፋዕን ብዝተሰላሰለ መደብ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ጉርሱብ፡ ፌስኮ፡ ኣለቡን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ፕሮጀክታት ሕርሻ ዓድዑመርን ፌስኮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽገና ቢንቶታትን ጽርያታትን ኣድማዒ ወፈራታት ከምዘካየዱ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ስግረ-ዶባዊ ሕማማት ንምክልኻል ዝተዓመ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ትሑት ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጎስጓሳዊ ጻዕርታት ብሰፊሑ ተገምጊሙ።

ኣብ መወዳእታ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምዕዛዝን ውጽኢት ተመሃሮ ምሕያልን፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን፡ ንጥፈታት ንግድን ህንጸት ኣባይትን ዝርአ ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ንምቊጽጻር ዝተወሃሃደ ስራሕ ምክያድ፡ ኣታውታት ልምዓት ንኡስ ዞባ ክብ ምባል፡ ተመሓለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ድማ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዘተኰረ ንጥፈታት ምሕያል፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝለዓለ ኣተኲሮ ዝወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ።

Categories