ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ኣብ 2017 ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝነኣድ ስራሕ ከምእተሰላሰለ፡ ንዝያዳ እቶታውነት ግዳ ቀጻሊ ጻዕርን ምክትታልን ከምዘድሊ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣገንዚቡ።

ብ27 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ስራሕ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ዓንሰባ – ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝተሰላሰለ ስራሕ ተናኢዱ ዘስመዖ መደረ – ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣገዳስነት ምሩጽ ኣዝርእቲን ዑደት ኣዝርእትን ኣብ እቶታውነት ጠቒሱ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ብሰፊሑ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ዞባ ክሕረስ ካብ ዝተመደበ ልዕሊ 61 ሽሕ ሄክታር 84 ሚእታዊት ጥራይ ብያታውን ዘበናውን ኣገባብ ከምእተሓርሰን ካብ’ቲ ናይ 2016 ብ12 ሚእታዊት ከምዝጐደለን ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ክግለጽ እንከሎ፡ ምስ ዋሕድን ዘይምዕሩይ ዝርጋሐን ዝናብ፡ እቶታውነት ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብ68 ሚእታዊት ከምዝነከየን በሪሁ።

ልዕሊ 27 ሄክታር ዝሽፍን ኣስታት 230 ኪሎ-ሜተር ዛላታት ብህዝባዊ ወፈራታትን ክረምታዊ ልምዓት ተመሃሮን ከምእተሰርሐን ልዕሊ 71 ኪሎ-ሜተር ከምእተጸገነን፡ ሰለስተ ሓደስቲ ዲጋታትን ክልተ ራህያታትን ከምእተዛዘማ እውን ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ዝርጋሐ ክኢላታት ክሳብ ምምሕዳር ከባብን ዓድን ክወርድ፡ ጥቕሚ መደበራት ፈልሲ ኣብ ሓረስቶት እናሰረጸ ይመጽእ ብምህላዉ በብመድረኹ ክሰፍሕ፡ ብሉጽ ዘርኢ ሽጉርቲ ሃገርና ዝስስነሉን ኣብ ኩሉ ዝዝርግሓሉን ኣገባባት ክፍጠር፡ ከምኡ’ውን ፈቐዶኡ ዝድርበ ዘሎ ቈርበት ጥሪት ኣብ መዓላ ክውዕል ተላብዮም።

Categories