ኣብ 2017 ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝተሰላሰለ ኮም ዝሰረቱ ውጽኢታዊ መደባት ልምዓት፡ ኣብ መጻኢ ክትግበሩ ንዝውጠኑ መደባት ህንጸት ባይታ ዘጣጥሕ ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ገሊጹ።

ብ27 ታሕሳስ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢታት፡ ኣነባበርቲ ዓዲ፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ዓሊ፡ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ምድላው ርእሰ-ውጥን ከባቢታት፡ ምጽራግ ጽርግያታት፡ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ኣባይትን ትካላት ትምህርትን፡ ምህናጽ ዲጋታትን ራህያታትን፡ ከምኡ’ውን ምውዳድ ፕሮጀክትታት ጽሩይ ዝስተ ማይ ካብ ዝተዓሙ ዓበይቲ መደባት ምንባሮም ጠቒሱ፡ ንተበግሶን ጻዕሪን ነበርቲ መጒሱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ያቆብ እድሪስ ድማ፡ 414 ስድራ-ቤታት ከባቢታት በረከንትያ፡ ገንፈሎምን ዝሮንን ከምእተጠርነፋ፡ ነበርቲ ከባቢታት ፈርሔን፡ ሊበናን በረከንትያን ፕሮጀክታት ጽሩይ ማይ ከምእተዋደደሎም፡ ንዓድታት ሓመልማሎ፡ ግዝግዛ፡ ዋዝንተት፡ ዝሮን፡ ድገ-ምራድን በረከንትያን ድማ ርእሰ- ውጥን ከምእተዳለወለን ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ውጥናት 2018 ንምዕዋት ድልውነቶም ብምርግጋጽ፡ ካብ ከረን ንሓመልማሎ ኣውቶቡስ ክትምደበሎም፡ ከምኡ’ውን መስመር መስሓሊት – ግዝግዛ ናይ ምጽራግ ስራሕ ቈላሕታ ክወሃቦ ተላብዮም።

Categories