ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ሱታፌ ህዝቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንኽዓዝዝ ውዳበ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ዝነጥፉ ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣገንዚቡ።

ንህዝቢ ዘማእከለ መደባት ጥሙር መኸተ ጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መደባት 2018 ብዝለዓለ ኣድማዕነት ንምትግባር – ብኣጋኡ ተሳትፎ ህዝቢ ዘዕዝዝ ውዳበታትን ኣተኣላልያን ክረጋገጽ ኣዘኻኺሩ።

ዓወት ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ከምዝምርኰስ ዝገለጸ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣብ ዝሓለፋ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት በብጽላቱ ዝተሳለጠ ስራሕን ዝተመዝገበ ገስጋስን፡ ውጽኢት ውህደት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣዛዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ’ቲ ዞባ ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ ደበሳይ ብወገኑ፡ ህዝቢ ተወዲቡ ዘካይዶም ዘሎ ወፈራዊ ስራሓት – ኣድማዕነቶም እናጐልሐ ይመጽእ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጹ።

Categories