ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ኣንጎላን እስራኤልን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ተራ ዜጋታት ኣብ መድረኻዊ ተልእኾን ዘተኰረ ሰሚናራት ተዋሂብዎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት ቤነሉክስን ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሮተርዳምን ኣምስተርዳምን ብ16ን 17ን ታሕሳስ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር – ዓመተ-2017 ውጽኢት ተወፋይነትን ጽኑዕ መኸተን ህዝብን መንግስትን ዝተራእየላ ምዃና፡ እንኣትዋ ዘለና ዓመት ዝበረኸ ውጽኢት ዝርከበላ ንምግባራ ድማ፡ ንቑሕ ተሳትፎ ዜጋታት መሰረታዊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ብ17 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር – መንግስቲ ኤርትራ፡ ምዕሩይ ዕድላት ዘረጋግጽ መደባት ልምዓት ኣብ ምትግባር ከምዝርከብ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ – ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋንን ሓባራዊ ረብሓ ንምርግጋጽን ማእከል ዝገበረ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶታት ይስስን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሰለሙን ክንፈ እውን፡ ንማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ በርሸባ – እስራኤል፡ ብ23 ታሕሳስ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ብመንጽር ኣበርክቶ ዜጋታት፡ ምሕያል ሓድነትን ማሕበረ-ኮምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቈንስላዊ ኣገልግሎታት ድማ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

Categories