ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ – ምምሕዳራት ከባቢ እምኩሉን ሕጥምሎን፡ ብዛዕባ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዝታይ ብ26 ታሕሳስ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ነበርቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ክልቲኡ ምምሕዳራት ከባቢ ዝርከቡ፡ ክመሃሩ እናተገብኦም ዛጊት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ናይ ዘለዉ ኣስታት 500 ዜጋታት ጉዳይ – ቀንዲ ዛዕባ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብሓፈሻኡ – ጠንቂ ናይ ዘይምምሃርን ጀሚርካ ምቊራጽን፡ ውጽኢት ተመሃሮ፡ ምጥፋእ መሃይምነትን ተራ ወለዲ ኣብ ትምህርትን እውን ብሰፊሑ ተዘትዩሉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መምህር ረሺድ መሓመድ ዑስማን፡ መማህራንን ወለድን ኣብ ምፍዋስ ድኽመታት ብሓባር እንተደኣ ሰሪሖምን፡ ንብሉጻት ተመሃሮ መተባብዒ እንተደኣ ተገይሩን፡ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ሽግራት ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።

ትምህርታዊ ጐስጓሳት ክሕይልን ኣብያተ-ትምህርቲ ዝምድናአን ምስ ህዝቢ ከትርራን ዘተሓሳሰበ – ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ድማ፡ ተሳትፎ ህጻናትን ቈልዑን ኣብ ትምህርቲ – ኣብ ድሌት ወለዲ ጥራይ ከይተደረተ፡ ዝምልከቶም ኣካላት እውን ግዴታኦም ከልዕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሰ ብወገኑ፡ ወለዲ ንደቆም ኣብ ግቡእ ዕድመኦም ከምህርዎም ግዴታኦም ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት እትከታተል ኮሚተ ካብ ህዝቢ ክትቀውም፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሽግራት ዘለዎም ተመሃሮ ተለልዮም ሓገዝ ክግበረሎም፡ ወለዲ ንባዕሎም ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክሳተፉ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ካብኡ ዝሕተት ከማልእ ድሉው ምህላዉ ድማ ኣረጋጊጹ።

Categories