ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሓመልማሎን ሓጋዝን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካይድቲ ስራሕን – ተሳታፍነት ህዝቢ ተናኢዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ህዝቢ ናብ መድመጺ ነቚጣታት ኣብ ምኻድ ዘርኣዮ ዋሕዚን ኣብ እዋን ምርጫ ዘንጸባረቖ ጭውነትን፡ ደሊብዎ ንዘሎ ንቕሓት ዝምስክር ምዃኑ ገሊጹ። ነቶም ዝተሰናበቱ ኣመሓደርቲ ድሕሪ ምምስጋን ከኣ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ኣብ ጐድኖም’ቶም ሓደስቲ ኣመሓደርቲ እውን ደው ክብል ኣዘኻኺሩ።

እቶም ሓደስቲ ኣመሓዳርቲን ኣካየድቲ ስራሕን ብወገኖም፡ ንሕብረተሰቦም ብትግሃትን ቅንዕናን ንምግልጋል ከምዝሰርሑ ኣብቲ ኣጋጣሚታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲን ኣካየድቲ ስራሕን ምምሕዳራት ከባቢ እውን፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ብትግሃትን ተወፋይነትን ንምትግባርን መደባት ልምዓት ንምዕዋትን፡ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ዑስማን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ን2018 ተወጢኖም ኣብ ዘለዉ መደባት ልምዓት፡ ተራን ኣበርክቶን ኮም ወሳኒ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ህዝቢ ኣብ ምጒስጓስን ምውዳብን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብያ።

Categories