ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ውሑስ ቀረብ ማይ፡ ኣብ መነባብሮ ርግኣት ከምዝፈጠረሎም – ንዝነበሮም ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም።

ብመሰረት ዝተዋደደ ውሑስ ምንጪን ዝተዘርግሐ መስመራትን፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ብምሕባር፡ “ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ግዝያዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከተማ ከረን፡ መንእሰይ ኣብርሀ ግርማጼን፡ እቲ ዝከፋፈል ዘሎ ማይ ካብ ሰለስተ ነቚጣታት – ማለት ካብ ጸባብ፡ ቀረብ ማይ ከተማ ከረን ‘ውሕስነት’ ረኺቡ ማእከላይ ዓንሰባን ጀበል ግሩድን ከም ዝምንጩን፡ ብሓይሊ ጸዓት ኤለክትሪክ ኣብ ቃጼታይን ሽፍሽፊትን ናብ ዘሎ ዓበይቲ ባስካታት ድሕሪ ምጭንጓዑ – ብስሕበት ናብ ህዝቢ ከም ዝባጻሕን ኣረዲኡ።

እቲ ዕደላ – 70 ሚእታዊት ብዝተዘርግሐ መስመራት፡ እቲ 30 ሚእታዊት ብቦጣት ከምዝካየድን መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ይስራሓሉ ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ሽፍሽፊት፡ እንዳፍላ፡ በተርየት፡ ብሎኮ፡ ከባቢ ቤት- ትምህርቲ ዖናን ገዛ-ባንዳ ላዕላይን ልዕሊ 1230 ሓደስቲ መስመራት ከምእተዘርግሑ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ዝነበሩ 5210 ዓማዊል እውን 295 ዜጋታት ሓደስቲ ቈጸርቲ ከምእተዓደሉ ገሊጹ።

ማይ ብመስመር ንዘይበጽሖም ከባቢታት ንምብጻሕ፡ ትካሎም – ካብ ጸባብ ናብ ፎርቶ 11 ኪሎ-ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ጸበብቲ መስመራት ብገፋሕቲ ንምትካእ እውን ይስራሓሉ ምህላዉ መንእሰይ ኣብረሀ ኣረዲኡ።

Categories