ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ካብ 15 ክሳብ 19 ታሕሳስ ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማኑዌል ዶሚንጎስ ኣጉስቶ፡ ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዶክተር ጆስ ባሞኲና ዛው፡ ከምኡ’ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ፍትሒ ተራኺቡ – ንክልቲኡ ወገናት ኣብ ዘገድሱ ዛዕባታት ከምዝዘተየ፡ ካብ ፕሪቶርያ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማኑዌል ዶሚንጎስ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ኤርትራን ኣንጎላን ኣብ ቃልሲ ዝተሰረተ ተመሳሳሊ ተመኲሮ ከምዘለወን ጠቒሱ፡ ነዚ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ብዝግበር ምትሕግጋዝ ንምድንፋዑ፡ ብወገን ኤርትራ ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ማኑዌል ብወገኑ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ንምዕዛዝ ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ገሊጹ።

Categories