ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህዝቢ ብወፈራዊ ማእቶት ዘሰላሰሎ ልምዓታዊ መደባት ኣድማዒ ምንባሩ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ተሓቢሩ።

ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ህዝቢ ተወዲቡ፡ ኣብ ምጽጋንን ምስራሕን ጽርግያታትን ጋብዮናትን፡ ኣብ ምትግባር ፕሮጀክታት ማይን ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓትን ካልእን ዕዉት ስርሓት ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።

እቲ መደባት፡ ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባን ተሳተፍነት ምምሕዳራት፡ ኩባንያታት ህንጻን ሓይልታት ምክልኻልን ከምእተኻየደን ዓቢ ተመኲሮ ከምእተቐስሞን ድማ በሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኣዋጃትን መምርሒታትን መሬት ዝጸንሐ መረዳእታ ንምዕባይ ጻዕሪታት ክካየድ፡ ተጀማሚሩ ዘሎ መስርሕ ምድልዳል መሬት ብጥንቃቐን ንህዝቢ ብዘዕግብን መንገዲ ክትግበር፡ መደብ መኸተ ልምዓት ንምዕዋት ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ኣበርቲዐን ክጽዕራ ተላብዮም።

Categories