ኣብ ሃብቲ ገረብ ዝርአ ዘሎ ብርሰት ክግታእ ውህደት ሕብረተሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ክዓዝዝ፡ በዓል- ስልጣን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ደቡብ ጸዊዑ።

እቲ ጨንፈር ብ14 ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣግራብ ዘብርሱ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክርሕቁ ስለዘይክእሉ፡ ነበርትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ምስ ኣባላት ሓለዋ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብዩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ካፒተን ገዛኢ ቃልኣብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ ንዘካየድዎ ናይ ምቊጽጻር ንጥፈታትን ጽልዋኡን ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስራሕ ጽርግያን ዲጋን ብምምኽናይ ምስ’ቲ ስራሕ ምትእስሳር ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ምብራስ ኣግራብ ይርአ ምህላዉ፡ እዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ግን መውረርያ ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ቊጽሪ ኣባላት ሓለዋ ገረብ ክውስኽ፡ ኣነባበርቲ ዓዲን ኣማሓደርቲ ከባቢታትን ኣብ ምቊጽጻር ኣግራብ ልዑል ተራ ክጻወቱ ዝብልን ካልእን ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ሓላፊ በዓል-ስልጣን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ህላወ ኣግራብ ምስ ህይወት ዝተሓሓዝ ስለዝኾነ፡ ምብራስ ኣግራብ ብውህደት ናይ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ክግታእ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። ኣብ 2018 ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ኣግራብ ንምምዳብን ሞያዊ ዓቕሞም ክብ ንምባልን መደብ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

Categories