ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ብ13ን 14ን ታሕሳስ ኣብ ከረን ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም፡ ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ዘተባብዕ ገስጋስ ከምእተመዝገበ ተነጺሩ።

ኣብ ትምህርቲ – መጠን ተሳታፍነት ኣብ ትምህርቲ ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ኣብ ጥዕና ድማ – ብዝሒ ኣብ እዋን ሕርሲ ናይ ዝሞታ ኣደታት ከምኡ’ውን ናይ ህጻናት ብብዙሕ ኣሃዝ ከምዝጐደለ በሪሁ።

ምውሓስ ምንጪ ዝስተ ማይን ምዝርጋሕ ሻምብቆታትን፡ ንጥፈታት ሕርሻዊ ልምዓትን ስራሓት ጽርግያታትን ካልእን ዘጠቓልል ዓበይቲ መደባት ከምእተተግበረ በሪሁ።

ኣብ መወዳኣታ፡ ኮም ዝሰረቱ ልምዓታዊ መደባት ክምጐስ እንከሎ፡ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘጓነፈ ሕጽረታት ክማላእ፡ ምህናጽን ምጽጋንን ምንጭታት ማይ ክቕጽል፡ ከምኡ’ውን ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories