ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሕርሻዊ ልምዓትን ዘተባብዕ ስራሓት ከምእተሰላሰለ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ12ን 13ን ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን፡ ጽርግያታት፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ካልእን ጽቡቕ ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ ዝጠቐሰ’ቲ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምጉዳል ልምዓት መገሃጫን መግቢ እንስሳን ንምህርቲ ጸባ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ኣነጺሩ።

ተሳተፍቲ፡ መስርሕ መለሳ መሬት ብግቡእ ንምትግባር ተወሳኺ ጐስጓስ ክካየድ፡ መምርሒ ውዕል ኣካረይትን ተኻረይቲን ብቕልጡፍ ክትግበር. . . ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኣተገባብራ መደባት ዝተራእየ ምትሕብባርን ምምልላእን ናይ ኩሎም ኣካላት ብዝሓየለ ክቕጽል እውን፡ ሓደ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ዝተላበውዎ እዩ።

Categories