ኣብ ስያትል – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ “እምነት” ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ወለንታውያን መንእሰያት፡ ንሆስፒታላት ዝከፋፈል ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቲ ብ6 ታሕሳስ ዝተረከበ ናውቲ፡ መደቀስን መመርመርን ዓራውትን ፍርናሽን፡ ከምኡ’ውን ዓረብያታትን መራዂስን ከምዘጠቓልል፡ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዞም ኤርትራውያን ወለንታውያን መንእሰያት፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ንብረት ንትካላት ጥዕና ልኢኾም ነይሮም።

Categories