ኣብ ኣደር-ሰር – ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤት- ትምህርቲ ‘ለ-ኣትሮፋ’፡ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሐ ትሑት ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ምምሕያሽ ኣስተዋጽኦ ትገብር ምህላዋ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ምጽንሑ ዝጠቐሰ፡ ኣባል ምክትታል ዶባት ተለንተ ሓሰን ኢብራሂም፡ ነቲ ጸገም ንፍታሕን ተሳታፍነት ንምዕዛዝን፡ ካብ ከባቢታት ሆሚብ፡ ሞሎበር፡ ርብዳ፡ ፈዳዳብ፡ ፈላሳብን ካልኦት ከባቢታት ፎርቶ-ሳዋን ንዝመጹ ተመሃሮ እተገልግል ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ከምእተኸፍተት ገሊጹ።

እታ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ ዓመተ- ትምህርቲ 2014/2015 እያ ውሑዳት ተመሃሮ ሒዛ ኣገልግሎት ጀሚራ። ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ከኣ፡ ኣገዳስነታ ተራእዩ ብደረጃ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ከምእትቕጽል ኮይና።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ኣሕዳሪት ቤት- ትምህርቲ – መምህር መንሱር ዑስማን፡ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ፡ ተመሃሮ ድማ መሰረታዊ ጠለባቶም ስለዝረኸቡ ኣብ ትምህርቶም ትስፉው ውጽኢት የርእዩ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ‘ለ-ኣትሮፋ’ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብስሩዕን ብመደብ ‘ዓርዮ’ን፡ 29 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 232 ተመሃሮ ተአንግድ ከምዘላ፡ ኣገልግሎት ኮምፕዩተር እውን ከም እተኣታተወላ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ቤት-ትምህርቲ ‘ለ-ኣትሮፋ’ ኣብ’ዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ፡ እዚ ምክትታል ዶባት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋን መዓስከር ሳዋን ልዑል ግደ ከምእተጻወቱ፡ ኣካየድታ ይገልጹ።

Categories