ናይ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዕድመ ዘለዎ ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር፡ ኣብ ምውርራስ ተመኲሮ ስራሕ ዝምስገን ንጥፈታት የሰላስል ከምዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ሙሴ ተስፋማርያም ገሊጹ።

ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ምስግጋር ቴክኖሎጂን፡ ኣብ ውሕስነት መጻኢ ናይ ሓደ ትካል ወሰንቲ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዓቕሚ ኣባላት ክብ ንምባል፡ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ስልጠናታት ከምዝወሃብ ዝሓበረ ኣቶ ሙሴ፡ ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት ዝግበር ናይ ተመኲሮ ምልውዋጥ እውን ኣካል ናቱ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ 33 ሽሕ ትርብዒት ሜተር ዝተደኮነ ትካል ማሕተም ሳቡር፡ መጻሕፍቲ፡ መጽሄታት፡ ጋዜጣታት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅብሊታት፡ መዐሸጊ ባኮታትን ካልእን ከም ዝሓትም ብሰፊሑ ዘረድአ ኣቶ ሙሴ፡ ንዝያዳ ውጽኢታውነት ናብ ዓይነት ንምቕያሩ ኣብ ስልጠናታት ኣተኲሮ ከምዝግበር ሓቢሩ።

“ናይ መንእሰያትና ድሌት ስራሕን ተበግሶን ዘተባብዕ’ዩ” ዝበሉ ካብ ገዳይም ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ኣቶ ጸሃየ ኣይንኣለምን ኣቶ ገብረ ተስፋስላሴን፡ ሞያዊ ኣፍልጦኦም ንኸመሓላልፉሎም ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

Categories