ኣብ ከተማ ሓጋዝ – ምምሕዳር ከባቢ ሓርነት፡ ምርጫ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ብ11 ታሕሳስ ተኻዪዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤል፡ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ምርጫ ንዘርኣዮ ሱታፌ ሞጒሱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ ኣመሓደርቲን ኣካየድቲ ስራሕን ናይ ክልተ ዓመት ጸብጻብ ስራሖም ንህዝቢ ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወ/ሮ ኣምና ሓጂ ዑስማን፡ እቶም ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝካየድ ልምዓታዊ መደባት ንምድንፋዕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺራ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ተመሳሳሊ ምርጫታት ተኻዪዱ እዩ።

Categories