ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡብን መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ መንደፈራን፡ ንህዝብን ተመሃሮን ኣብ ድሕነት ትራፊክን ምክልኻል ገበናትን ዘተኰረ ጐስጓሳት ኣካዪዶም።

እቲ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ኣብ ከተማ መንደፈራን ከባቢኣን፡ ንተመሃሮ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ከምኡ’ውን ንተቐማጦ ክልተ ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሌላ ምስ ሕግታት ትራፊክ፡ ጠንቅን ሳዕቤናትን ሓደጋታት፡ ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ጽርግያ፡ ሳዕቤን ሸለልትነት ኣብ ምምራሕ ተሽከርከርቲ፡ ገበንን ሳዕቤናቱን፡ ከምኡ’ውን ምትሕብባር ህዝቢ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰረ ነይሩ።

ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡብ ሜጀር ሃብተ ገብሩ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፋ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብኹለን ዓይነታት ተሽከርከርቲ ልዕሊ 2,500 ጥሕሰት ሕጊ ከም እተፈጸመ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ 100 ሰባት ከምዝሞቱን 11 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደን ብምምልካት፡ ሓደጋ ወዝቢ ስለዝኾነ ህዝቢ ብሓፈሻ ተመሃሮ ድማ ብፍላይ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐ ከዘውትሩ ምዒዱ።

ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ምክትል ተለንተ ገብረትንሳኤ ብርሃነ እውን፡ ተመሃሮ ንነብሶም ናጻ ኰይኖም፡ ገበነኛታት ኣብ ምቅላዕ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከዕዝዙ ተላብዩ።

Categories